in the future - u will be able to do some more stuff here,,,!! like pat catgirl- i mean um yeah... for now u can only see others's posts :c
ሕሉፍ ብቃንዛ፡ ህሉው ብዕድል፡ መጻኢ ድማ ብዘይርጉጽነት ዝተመልአት እያ። ስለዚ ብሕሉፍ ከተማርር፡ብመጻኢ ክትትስፎ፡ ንሎሚ ኣይትኽሰራ። ትማሊ ሓልፋ እያ ኣይናትካን፡ጽባሕ'ውን ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ እያ። እታ እንኮ እትውንና ወርቃውት ዕድል ሎሚ እያ። ንሎሚ ብምልኣት ንበራ❤❤❤ SUBSCRIBE TO LEARN MORE.
101 - 5
ልቦና መድያ ንሰብኣዊ ዕብየትኩም ሓገዝቲ ዝኾኑ መሃርቲ ቭድዮታት ብተኻታታሊ ተቕርብ። ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኮንኩም ህይወትኩምን ናብራኹምን ንምቕያር ዝሕግዝኹም መሃርቲ ቭድዮታት ክትካታተሉ ብኽብሪ ይዕድም።
75 - 0
ልቦና መድያ ንሰብኣዊ ዕብየትኩም ሓገዝቲ ዝኾኑ መሃርቲ ቭድዮታት ብተኻታታሊ ተቕርብ። ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኮንኩም ህይወትኩምን ናብራኹምን ንምቕያር ዝሕግዝኹም መሃርቲ ቭድዮታት ክትካታተሉ ብኽብሪ ይዕድም።
70 - 3
''ይዕበ ይንኣስ ብዘይገድስ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ውሰድ። ብዘይምቁራጽ መዓልታዊ ደጋግምካ ሰጉም። ምናልባት ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ይወስደልካ ይኸውን ፡እታ ናብ ዓወት ትመርሓካ መንገዲ ግና ክትረኽባ እኻ። '' Aaron Ross
80 - 0
ልብኹም ኣይሸበር፡ ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መሕደሪ ኣሎ፡ መሕደሪ እንተ ዘይህሉ ግና ምነገርኩኹም ነይረ፡ ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ክትህልዉ፡ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወስደኩም እየ። ዮሓ 14፡1
ከም ግብርና ዘይኮነ ከም ምሕረቱን ቸርነቱን ወረስቲ ሰማያዊ ቤቱ ክንከውን ሰናይ ፍቓዱ ይኹነልና።
46 - 1
ኢየሱስ ከኣ ናይ ህይወት እንጌራ ኣነ እየ፡ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይኪጠምን፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ። ስጋ ወዲ ሰብ ኢንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይስቴኹምሲ ሕይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ፡ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ`ውን ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ። ኣነ`ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንሰኦ እየ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ፡ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ እነብር። ዮሓ 6፡25-58
ከም ምሕረቱን ቸርነቱን ክቡር ስጉእን ቅዱስ ደሙን ወስድና ንሕና ኣብ ኣምላኽ፡ኣምላኽ ድማ ኣባና ክነብር ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።
39 - 3
ፍቕርን ምሕረትን ናይ ጎይተናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ መዳርግቲ የብሉን። ቅድሚ ኣብ መስቀል ምስቃሉ ንስለ ኩላትና ከምዚ ብምባል ጸለየ። '' ኦ ኦቦ! እንሆ እታ ሰዓት በጺሓ እያ። ወልድ ምእንቲ ኼኽብረካስ ንወድኻ ኣኽብሮ። ነዞም ዝሃብካዮ ኹላቶም ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺህቦም ንእኡ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ወዲ ሰብ ስልጣን ሂብካዮ ኣለኻ። ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሃብካኒ፡ ቃልካውን ሓለዉ። እቲ ዝሃብካኒ ዘበለ ኹሉ ኻባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡ። ኣነ ምእንትኦም እልምን ኣሎኹ። ኩሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ። ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ፡ ነቶም ዝሃብካኒ ኸማና ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ ብስምካ ሓልዎም። ኣነ ምስኣቶም ከሎኹ በቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓሎኽዎምን ተኻናኸንክዎምን። ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ከምቲ ኣነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ፡ንሳቶምውን ናይ ዓለም ኣይኮኑን፡ እሞ ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዮሓ 17
ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ይሓልወናን ይሰውረናን። በረኸት ኣምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን
39 - 3
እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሓድገልኩም፡ ንስኻትኩም`ውን ንብጻይኩም ዝሓዝኩምሉ በደል እንተሎ ሕደጉሉ። ንስኻትኹም እንተ ዘይሓድግኩም ግና እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይሓድገልኩምን እዩ። ማቴ 11፡25 ዝኸበርኩም የሕዋትን ኣሕዋትን ካብ ኣምላኽናን መድሓንናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሙሉእ ምሕረት፡ ሰላም፡ጥዕናን በረኸትን ክንረክብ፡ ንኹሎም ዝተቐየምናሎም ይቕረ ክንብለሎም ኣምላኽ ንልብና የረስርሶ።
58 - 4
ሳብስክራይብ ብምግባር ኣባል ልቦና መድያ ኮንኩም ንሰብኣዊ ዕብየትና ሓገዝቲ ዝኾኑ መሃርቲ ቭድዮታት ክትካታተሉ ብኽብሪ እዕድመኩም። በዚ ቻነል ኣብ ሰሙን ካብ 2-3 ኣነቛቓሕትን መሃርትን ቭድዮታት ይመሓላለፉ። ከምኡ'ውን ኣብ ህይወትና ለውጢ ከነተኣታቱ ዝሕጉዙና ዝተፈላለዩ መሃርቲ ጥቕስታት ነመሓላልፍ እና።
25 - 0
ሰላም ክቡራት ተኻታተልቲ ስመይ ተስፉ ክንፈ ወዲ ክንፈ እባሃል። ኣብ 2003 ብዓውዲ ስነ ምምህርና ኣብ ኣስመራ ይኒቨርስቲ ብቀዳማይ ድግሪ ተመርቐ።
ኣብዚ ውሽጢ 20 ዓመታት ዘዋህለልክዎ ፍልጠትን ተመክሮን ንዓኻ/ኺ ከካፍል ኣለኒ ካብ ዝብል ንጹር ዕላማ እየ ነዛ ቻነል ጀምረያ።
ከምቲ ቪሰንት ኖርማን ዝበሎ ንሕና ከምቲ እንደልዮ ዘይኮና ከምቲ እንሓስቦ እና። ስለዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣተኣታትና ሕጉሳትን ዕውታትን ክንከውን ዝሕጉዙና ቭድዮታት ከዳሉ ምዃነይ ክሕብረኩም እፈቱ።
ሰብኣዊ ዕብየት ክንጓናጸፍ ዝሕጉዙና መሃርቲ ቭድዮታት ንኣብነት ብኸመይ ዕዉታት፡ሕጉሳት ንኸውን፡ውሽጣዊ ሰላም ፡ጽቡቕ ጥዕናን ይህልወና። ብሓፈሻ ከምቲ ንደልዮ ኮይና ብምልኣት ክንነብር ዝሕጉዙና መሃርቲ ቭድዮታት ከዳልወልኩም እየ ንስኺ/ኻ ድማ ሳብስክራይብ፡ ላይክ፡ ሸር፡ኮመንት ብምግባር ብቐረባ ክትካታተሉን ብኽብሪ እዕድም። ንትገብሩለይ ኩሉ ዓይነት ደገፍን ምትብባዕን ካብ ልቢ የመስግን።