Channel Avatar

Lbona media @UCvET_ZqQq2tQ3F8F8VEeqHg@youtube.com

12K subscribers - no pronouns :c

ሰላም ክቡራት ተኻታተልቲ ስመይ ተስፉ ክንፈ ወዲ ክንፈ እባሃል። ኣብ 2003 ብዓውዲ ስነ ምም


Welcoem to posts!!

in the future - u will be able to do some more stuff here,,,!! like pat catgirl- i mean um yeah... for now u can only see others's posts :c

Lbona media
Posted 2 months ago

ሕሉፍ ብቃንዛ፡ ህሉው ብዕድል፡ መጻኢ ድማ ብዘይርጉጽነት ዝተመልአት እያ። ስለዚ ብሕሉፍ ከተማርር፡ብመጻኢ ክትትስፎ፡ ንሎሚ ኣይትኽሰራ። ትማሊ ሓልፋ እያ ኣይናትካን፡ጽባሕ'ውን ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ እያ። እታ እንኮ እትውንና ወርቃውት ዕድል ሎሚ እያ። ንሎሚ ብምልኣት ንበራ❤❤❤ SUBSCRIBE TO LEARN MORE.

101 - 5

Lbona media
Posted 6 months ago

ልቦና መድያ ንሰብኣዊ ዕብየትኩም ሓገዝቲ ዝኾኑ መሃርቲ ቭድዮታት ብተኻታታሊ ተቕርብ። ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኮንኩም ህይወትኩምን ናብራኹምን ንምቕያር ዝሕግዝኹም መሃርቲ ቭድዮታት ክትካታተሉ ብኽብሪ ይዕድም።

75 - 0

Lbona media
Posted 7 months ago

ልቦና መድያ ንሰብኣዊ ዕብየትኩም ሓገዝቲ ዝኾኑ መሃርቲ ቭድዮታት ብተኻታታሊ ተቕርብ። ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኮንኩም ህይወትኩምን ናብራኹምን ንምቕያር ዝሕግዝኹም መሃርቲ ቭድዮታት ክትካታተሉ ብኽብሪ ይዕድም።

70 - 3

Lbona media
Posted 1 year ago

''ይዕበ ይንኣስ ብዘይገድስ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ውሰድ። ብዘይምቁራጽ መዓልታዊ ደጋግምካ ሰጉም። ምናልባት ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ይወስደልካ ይኸውን ፡እታ ናብ ዓወት ትመርሓካ መንገዲ ግና ክትረኽባ እኻ። '' Aaron Ross

80 - 0

Lbona media
Posted 1 year ago

ልብኹም ኣይሸበር፡ ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መሕደሪ ኣሎ፡ መሕደሪ እንተ ዘይህሉ ግና ምነገርኩኹም ነይረ፡ ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ክትህልዉ፡ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወስደኩም እየ። ዮሓ 14፡1
ከም ግብርና ዘይኮነ ከም ምሕረቱን ቸርነቱን ወረስቲ ሰማያዊ ቤቱ ክንከውን ሰናይ ፍቓዱ ይኹነልና።

46 - 1

Lbona media
Posted 1 year ago

ኢየሱስ ከኣ ናይ ህይወት እንጌራ ኣነ እየ፡ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይኪጠምን፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ። ስጋ ወዲ ሰብ ኢንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይስቴኹምሲ ሕይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ፡ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ`ውን ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ። ኣነ`ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንሰኦ እየ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ፡ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ እነብር። ዮሓ 6፡25-58
ከም ምሕረቱን ቸርነቱን ክቡር ስጉእን ቅዱስ ደሙን ወስድና ንሕና ኣብ ኣምላኽ፡ኣምላኽ ድማ ኣባና ክነብር ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።

39 - 3

Lbona media
Posted 1 year ago

ፍቕርን ምሕረትን ናይ ጎይተናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ መዳርግቲ የብሉን። ቅድሚ ኣብ መስቀል ምስቃሉ ንስለ ኩላትና ከምዚ ብምባል ጸለየ። '' ኦ ኦቦ! እንሆ እታ ሰዓት በጺሓ እያ። ወልድ ምእንቲ ኼኽብረካስ ንወድኻ ኣኽብሮ። ነዞም ዝሃብካዮ ኹላቶም ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺህቦም ንእኡ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ወዲ ሰብ ስልጣን ሂብካዮ ኣለኻ። ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሃብካኒ፡ ቃልካውን ሓለዉ። እቲ ዝሃብካኒ ዘበለ ኹሉ ኻባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡ። ኣነ ምእንትኦም እልምን ኣሎኹ። ኩሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ። ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ፡ ነቶም ዝሃብካኒ ኸማና ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ ብስምካ ሓልዎም። ኣነ ምስኣቶም ከሎኹ በቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓሎኽዎምን ተኻናኸንክዎምን። ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ከምቲ ኣነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ፡ንሳቶምውን ናይ ዓለም ኣይኮኑን፡ እሞ ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዮሓ 17

ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ይሓልወናን ይሰውረናን። በረኸት ኣምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን

39 - 3

Lbona media
Posted 1 year ago

እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሓድገልኩም፡ ንስኻትኩም`ውን ንብጻይኩም ዝሓዝኩምሉ በደል እንተሎ ሕደጉሉ። ንስኻትኹም እንተ ዘይሓድግኩም ግና እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይሓድገልኩምን እዩ። ማቴ 11፡25 ዝኸበርኩም የሕዋትን ኣሕዋትን ካብ ኣምላኽናን መድሓንናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሙሉእ ምሕረት፡ ሰላም፡ጥዕናን በረኸትን ክንረክብ፡ ንኹሎም ዝተቐየምናሎም ይቕረ ክንብለሎም ኣምላኽ ንልብና የረስርሶ።

58 - 4

Lbona media
Posted 1 year ago

ሳብስክራይብ ብምግባር ኣባል ልቦና መድያ ኮንኩም ንሰብኣዊ ዕብየትና ሓገዝቲ ዝኾኑ መሃርቲ ቭድዮታት ክትካታተሉ ብኽብሪ እዕድመኩም። በዚ ቻነል ኣብ ሰሙን ካብ 2-3 ኣነቛቓሕትን መሃርትን ቭድዮታት ይመሓላለፉ። ከምኡ'ውን ኣብ ህይወትና ለውጢ ከነተኣታቱ ዝሕጉዙና ዝተፈላለዩ መሃርቲ ጥቕስታት ነመሓላልፍ እና።

25 - 0