Channel Avatar

zewdi Channel 27 @UCdS6JUcaIQezElGbN2bXeHg@youtube.com

2.3K subscribers - no pronouns :c

ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተ ሰብ ኩኑ ክቡራተይ እዛ ቻነልና ዝተፋለለዩ ጠቀምቲ ዝሓዘት እያ


Welcoem to posts!!

in the future - u will be able to do some more stuff here,,,!! like pat catgirl- i mean um yeah... for now u can only see others's posts :c

zewdi Channel 27
Posted 4 weeks ago

_*12 ሕዳር*_

ዕልልልልልል እንዃዕ ናብዚ ኩቡር በዓል ሚካኤል ሕዳር ብሰላም፡ኣብጽሃና ኩቡራት ኣሕዋተይ ኣብ ስደት ኣብ መላእ ዓለም ዘለኩም ኩሉኹም

*ቅዱስ ሚካኤል ፈትዊ ንኩሉ*
_*ምሕረት ይረክብ ኪዳንካ ዝሕሉ*_

_*በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላኽ አሜን/፫/*_

ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ናይ ወርሒ ሕዳር ዕለት (12)
በዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሚካኢኤል ንድያብሎስ ተዋጊኡ ንድያብሎስን ሰራዊቱን ዝሳዓረሉ (ራኢይ12፥7) ዘሰንፈሉ ፡ሽመት ዲያብሎስ ብምትካእ ሊቀ መላኢክት ኮይኑ ዝተሽየመሉ ንእስራኤላውያን መሪሑ ናብ ምድሪ ተስፋ ዝኣተውሉ ኩቡር ዕለት ዩ ፡፡
ካብ ንፋስ ነበልባል ሓዊ ዝተፈጥረ ሕጉስ ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ዝገበሮ ተኣምር ናይ ወርሒ ሕዳር።

ካብ ኩሉ ክፋእ ዘበለ ነገር ይሓልወናን የድሕነናን ፡ ካብ ሓጢኣተኛ ኣፍሳሲ ክም ዝኾነ ጸላኢና ይሓልወና የሕፍረልናን ፡ ኣብ ጉዕዞ ምሳና ኾይኑ ብሰናይ መንገዲ ይምርሓና ፡ ክፋእ ከይረኽበና ነቶም እንኣምኖ ብኣክናፉ የጽልለና ለዓለም ዓለም ኣሜን ።

ኣፈይ ብምኽፋት ኩሉ ናይ ሊቀ መላእክቲ ዝገበሮ ፡ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ዝመሰረቶ ብሓይሊ ኣምላኹ ዝገበሮ ተኣምር ፡ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ሓመልማላዊ ብርሃን ዝተጓናጸፈ ፡ ኩሉ ግዜ ድማ ምእንቲ ደቁ ናብ እግዚኣብሔር ምሕረት ዝልምን ፡ ነቶም ዝጽውዕዎ ድማ ብቅልጡፍ ዝሰምዖምን ፡ ረዲኤቱ ዘውርድን ፡ ዝኽሩ ገይሮም ንዝኣምንዎ ፡ ብስም ኣምላኹ ንዝልምኑን ኦ እግዚኣብሔር ፡ ምሓሮም ኢሉ ይልምን ።

ነቶም ብእምነት ስሙን ስም ኣምላኹ ኣሚኖም ኦ ሚካኤል ርድኣና ኢሎም ንዝልምኑ ፡ ብባሕሪ ኮነ ብምድሪ ፡ ኣብ ኩሉ መንገዶም ፡ ኣብ ግዜ ጸበቦኦም የድሕኖም ።

እምባኣር ቅድም ኢሉ ዝተፈጸመ ንነግረኩም ኣሎና። ንሱ ድማ ሓደ ግዜ ብዙሓት ሰባት ኣብ ግብጺ ተኣኪቦም ናብ ገምገም ባሕሪ ይኸዱ ‘ሞ ኣብኡ ባዓል መርከብ ረኸቡ ፡ መርከቦም ተሳፊሮም ድማ ጉዕዞ ቀጸሉ ፡ ነዊሕ መንገዲ ምስ ተጐዓዙ ነታ መርከብ ማዕበል እናኣናወጻ እቲ ማዕበል ድማ እና በርተዐ ከደ ነታ መርከብ ውን ክውሕጣ ደልዩ ብዙሕ ዓቅሎም ጸበቦም ። እቲ ማዕበል ድማ እናወሰኸ ከደ ክውሕጦም ድማ ደለየ ፡ ነዚ ሽግርን መከራን ምስ ራኣዩ ብጣዕሚ ክንመውት ኢና ኢሎም ፈርሑን ተጨነቁን ዝኾነ ዘጸናንዖምን ፡ ዘራጋግኦም ድማ ሰኣኑ ። ሽዑ ግና ሐደ ከምዚ ክብል ኣእወየ ኦ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዓብይን ጉሩምን ፡ ሓለቓ መላእክት ሰማያውያን፡ዝኾንካ ንስኻ ምሓርን ርህሩህን መልኣከ ምሕረት ኢኻ ። ኦ ልዑል መልኣከ ምሕረትን መልኣከ ሰላምን ንዓና ኣድሕነና ረዳኢ ኩነና ናባና ኣዒንትኻ ጠምት ። ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ምእንታና ጸሊ ፡ ካብ ሞት ውን ኣድሕነና እዚ ክዓብጠና ደልዩ ዘሎ ሞት ቀንጥጠልና ፡ ንሞትን መከራን ሪኢናያ ኢና‘ሞ ፈራሕና ፡ ከምዚ እናበሉ ኩሎም በኸዩን ነብዑን ፡ ኣብታ መርከብ ኮይኖም ካብ ማዕበል ክድሕኑ ለመኑ ።

በቲ ግዜ እግዚኣብሔር ጸሎቶም ሓዘን ልቦም ሰመዐን ራኣየን እሞ መልኣኹ መልኣከ ምሕረት ሚካኤል ለኣኸሎም ። ሚካኤል ብቅጽበት ( ብፍጥነት) ወረደ ነታ መርከብ ብኢዱ ሓዛሞ ሰሓቦ ፡ ኩሎም ኣብኣ ዝነበሩ ድማ ብዘይ ገለ ጉድኣት ብዳሓን ወጹ ። እዚ ኩሉ ተኣምር ዝተገብረሎም ዝራኣይዎን ድማ ንኹሉ ሰብ ነገሩ ፡ እግዚኣብሔር ብዓቢ ምስጋና ኣመስግንዎ ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ድማ በቲ ዝገበረሎም ማዕበል ኣሕዲኡ ዘሳገሮም ንሱሙ እና ኣመስገኑ ወደስዎ ። ከምዚ ኢሎም ድማ ኩሎም ብሕብረት ዝኽሩ እና ገበሩ ኣብ ወርሒ ወርሒ ዕለት ዓሰርተ ክልተ (12) ክሳብ ግዜ ሞቶም የብዕልዎ ነበሩ ።
ጾሎትን በርከትን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምስኩልትና ይኹን አሜን/፫/

በዚ ዕለት ናይ ክቡር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ክብርረ በዓል ከይኑ ፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ንሰማያውያን መልእክት ሓለቆኦም ዝኾነ መልኣከ ምሕረት ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌ ዝተላእከሉ ዕለት እዩ። ንኢያሱ ወዲ ነዌ ሊቀ መላእክት ናይ ንጉስ ወታሃደር ተመሲሉ እዩ ዝተራእዮ፡ እያሱ ድማ ምስ ራኣዮ ብዓቢ ስንባደ ናብ ምድሪ ብገጹ ተደፊኡ ሰገደሉ ‘ሞ ኦ ጐይታይ ካበይ ኢኻ ካባና ወገን ዲኻ ወይስ ካብ ጸላእትና ክብል ሓተቶ ።/ኢያሱ 5፡13-15/ ሊቀ መላእክት ድማ ኣነ ሓደ ካብ መላእክት ሓለቃ ዝኾንኩ ሰማያዊ መልኣክ እየ ናባኻ መጽአ ዘለኹ በዛ ሎሚ ዕለት ንኣማሊቅ ፡ ኣብ ኢድካ ክህበካ እየ ። ኣብ ኢያርኮ ድማ ከንግሰካ እየ በሎ ። እዚ መልኣኽ እምባኣር ንሰማዕታት ፡ ንቅዱሳን ገድሎም ብትብዓት ክፍጽሙ ዝረደኦም ፡ ዘጸናንዖምን እዩ ። ነቶም ምእንቲ ስሙ ኢሎም ኩሉ ሰናይ ነገር ብምግባር ዝተግሁ ፡ ምጽዋት(መባእ) ፡ ዝክር፡ ዝህቡ ዝዝክርዎን ፡ ወርሒ ወርሒ ክብረ ባዓሉ ዝዝክሩ ምእንትኦም ናብ እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ይልምነሎም ። ዝዘርእዎ ክፈሪ ፡ ብዝተጓዓዝዎ መንገዲ ብባሕሪ ኮነ ፡ ብምድሪ ዝነግዱ ፡ ይመርሖምን በረኸት የውርደሎምን ፡ ብሰላም ብሓጐስ ድማ የፈጽሞም ። ጸሎትን ምሕረት ናይ መልኣከ ሰላም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን!

ወሰሃብት ለእግዚአብሔር
ወለ ወላዲቱ ድንግል
ወለ መሰቀሉ ክቡር አሜን/፫/

7 - 0