Channel Avatar

Chanel Fish Wedi @UCEq5Cg3hGhWObEMQ7iOLCPQ@youtube.com

17K subscribers - no pronouns :c

ሰላም ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም እትርከቡ ክቡራት የሕዋተይ። ኣብዚ ዘለናዮ ቅልጡፍ ንሓድሕድካ


Welcoem to posts!!

in the future - u will be able to do some more stuff here,,,!! like pat catgirl- i mean um yeah... for now u can only see others's posts :c

Chanel Fish Wedi
Posted 3 days ago

New Video

0 - 0

Chanel Fish Wedi
Posted 1 week ago

ነቶም ብሽግሌታ ትከታተሉ ላይፍ ኡአርትራውያን የሕዋትና ውን ተሳተፍቲ ኣለዉ

0 - 0

Chanel Fish Wedi
Posted 1 week ago

Sehr gut Bro 👊

0 - 0

Chanel Fish Wedi
Posted 1 week ago

ንምዝንጋዕ እዩ ኩሉ ሓቂ ከይመስለኩም

4 - 0

Chanel Fish Wedi
Posted 1 week ago

ሄሉ ትግራወይቲ ክትበሃል ቀንያ እሞ መን ደኣሉ ኤርትራዊ

36 - 7

Chanel Fish Wedi
Posted 2 weeks ago

ሕጊ ይኸበር፡ ዝበደለ ይተሓተት፡ ሕልና ግን ኣብ ኩሉና ይሃሉ ...

ኣብ ምልእቲ እዛ ምድሪ፡ ኣብ ዝዀነት ሃገር፡ ትዕበ ትንኣስ፡ ትሃብትም ትድከ፡ወዲ ሃገር ይኹን ወጻእተኛ፡ ተራ ሰብ ይኹን ሽሞኛ፡ እንተስ ብኣጋጣሚ ዘይሓሰቦ፡ እንተስ ሕማቕ መዓልቲ ክውዕል ኢሉ ኰነ ኢሉ ፈጺምዎ፡ሕጊ ጥሒሱ በደል ይኹን ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብ፡እንስሳ፡ሕብረተሰብ፡ ሃብቲ ሃገር ወ.ዘ.ተ ምስ ዝፍጽም፡ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ፡ ብዘጥፍኦ ክሕተት፡ ኣብ ዝቐርበሉ ክሲ፡ ነብሱ ክኸላኸል፡ክምጉት፡ከረድእ፡ ጠበቓ ክቚጽር መስርሕ ሕጊ ዝጠልቦ ክውንነት እዩ።

ከሳሲ ወይ ዋና ጉዳይ (ይምልከተኒ ዝብል ሰብ ወይ ትካል) ድማ፡ ፋይሉ ከፊቱ ምስ ጠበቕኡ ወይ ብመንገዲ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቢሉ፡ ዝተጣሕሰ ዓንቀጽ ጠቒሱ፡ ስርዓትን ሕግን ከኽበረሉ፡ ሕጋዊ መጻውዕታ፡ በመንገዲ ፖሊስ ብምቕራብ፡ ጡርጡር ገበነኛ፡ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ክቐርብ፡ ቤት ፍርዲ እውን፡ ቃል ከሳስን ተኸሳስን ሰሚዑ፡ ንጉጉይ ዝግብኦ ተግሳጽ፡ መቅጻዕቲ ናይ ገንዘብ፡ ጉልበት ወይ ማእሰርቲ ኰታ ከከም ጉዳዩ፡ሕጊ ተመርኲሱ ክውሰነሉ ባህርያዊ ይኸውን።ብዘይ ከውን ስሙ ንዝጸለመ ድማ፡ ብኣንጻሩ ከሳሲ ክኽሕስ፡ተከሳሲ ድማ ክክሓስ ትጽቢት ይግበረሉ።እዚ መባእታዊ መስርሕ ሕጊ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ክሱስ ተመሊሱ ኣብ ተመሳሳሊ ጌጋ ከይወድቕ፡ መንገዱ ኣዕርዩ፡ መታን ኣብ ሕብረተሰብ ተመሊሱ ጉሉሕ ኣበርክቶ ከበርክት፡ ክምሃረሉ ብዝኽእል ኣገባብ ክዳነ ግቡእ እመስለኒ።ምኽንያቱ ሕጊ ንኹሉ ብማዕረ ዝሕሉ፡በትሪ ድኻታት ስለዝዄነ።ሕጊ ገናሒ፡መሃሪ ሓለዋን ጽላልን ምሉእ ሕብረተሰብ እዩ።ነዚ እዩ ድማ ብዙሕ ሰብ ኣገዳስነት ሕጊ ተረዲእዎ፡ ኩሉ ግዜ ነገራት ብሕጊ ክትሓዙ ዝመክርን ዝምዕድን ከምኡ ድማ ዝሓትትን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ 5ይ ክፋል ፊልም “ቬርሶ” ዘተኰረ ናይ ተግሳጽን መአረምታን ትሕዝቶታት ዘለዎም፡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ። ኣነ ሓደ ካብቶም ዝጽሓፍኩ ኰይነ፡ ነታ ፊልም ዝዓየዩ ሰባት ክሳራጠዩ፡ ክእሰሩ፡ ክጭቖኑ ዘይኰነ ግን፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰብ ግምት ክውሃቦ፡ ነቲ ምስ እምነትን ባህልን ሕብረተሰብና ዘጋራጩ ትሕዝቶ ድማ፡ ብርድኢት ተኣሚንሉ ክእለ፡ ዓየይቱ ድማ መንእሰያት ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ጌግኦም ተማሂሮም፡ብኻልእ ኣዛናዪ ዝዀነ ክፋል ክምለሱ ምሕጽንታይ ጽሒፈ።

ድሒሩ ግን፡ ካብ ብዙሓት ሰባት፡ ሞያውያንን ዘይሞያውያንን፡ ካብዚ ክኸውን እትጽበዮ ርእይቶ ወጽእ ዝበለ፡ ምስ ፖሎቲካ ብምትሕሓዝ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስነ-ጥበባውያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ስነ-ጥበባዊ ቶማስ ምሉእጌታ ድማ ብፍሉይ፡ ካብ ስዊዘርላንድ ክሳብ ካናዳ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ክሳብ ኡጓንዳ፡ ዝተዋሃሃደ፡ ታህዲድ፡ ምፍርራሕ፡ ምንጻል፡ ናይ ዕስለ ፍርዲ ትሕዝቶ ዝነበሮም ሓሳባት ከውሕዙ ተዓዚበ። “ ቅተልዎም፡ ረሺንዎም፡ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ኣስፍርዎም፡” ዝብል ናይ ሓደ-ሓደ ኣሕዋት ርእይቶ እውን ሰሚዐን ኣንቢበን።

ኣብ ዓዲ ዴሞክራሲ ኰይኖም፡ ጸረዴሞክራሳዊ ዝዀነ ሓሳብ፡ እሞ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ክጭንጉዕ ክርኢ እንከለኹ፡ ከም ሰብ እሓዝን። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ኣንፈት መጻኢና የሻቕለኒ።ብፍላይ እዚ ናይ ናይ ጅምላ ፍርዲ፡ ክምዕብል ዘይብሉ ሓደገኛ ክስተት ስለ ዝዀነ፡ ብእዋኑ ኣቓልቦ እንተ ሃብናዮ፡ ከም ሕብረተሰብ ብዙሕ ክነትርፍ ንኽእል ኰይኑ እስምዓኒ።

ኣተኣራርማናን ኣውሃህባ ተግሳጽናን ግን፡ ሕጂ እውን ክዕረ ይግባእ።ሰብ ተጋግዩ ኢልና ኣብ እንሓስበሉ ግዜ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተኣራርማና፡ዝዀነ ሓደጋ ምስ ዝበጽሕ፡ ምጥዓስ ትርጉም ኣይህልዎን።ንጌጋ ብቅኑዕ ሓሳብ ምበር፡ ብኻልእ ጌጋ ኣይትእርሞን።ገበናዊ መሰጋገሪ ሕጊ ኤርትራ( ኣብ 1957 ዝተኣወጀ፡ ካብ 1991 ከም መሰጋገሪ ሚኒ/ፍትሒ ኤርትራ ዝጥቀመሉ ከም ዝእዝዞ፡” ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ኲነታቱ፡ ዓሌት፡ ጾታን ሃይማኖትን ከይፈላለየ፡ ንዝበደለ ወይ ዝተጋግየ ሰብ ‘ክእርምን ክቐጽዕን” ይድንግግ።ብተወሳኺ፡”ኩሉ ኣብ ሕጊ ዝቐርብ፡ ክሳዕ ገበነኛ ምዄኑ ዝረጋገጽ ከም’ንጹህ’ ክሕሰብ ኣለዎ ይብል።(ሓበሬታ ዳኛ ሚኒ/ፍትሒ ዝነበረ በረኸት)

እሞ ካብዞም ኩሎም ኣባላት ናይታ ፊልም፡ ሰለምንታይ ንመንእሰይ ቶማስ ከም ሓደ ገበነኛ፡ ስእሉ ጠቂዕኻ ንምርዓዱ፡ብኽንድኡ ፍጥነት ምጉያይ ተደልዩ፧ እቲ ኣብ ልዕሊ ቶማስ ዳርጋ ኣዋጅ ብዝመስል ዝሓልፍ ዝነበረ መልእኽታት፡ ናይ ብሓቂ ግን፡ ብኸምኡ መልክዕ ምቕራቡ ቅኑዕ ድዩ፧

ብመሰረት ኣብ ኣገልግሎት ተሌቭዥን ኤርትራ ዝቐረበ መደብ፡ መንእሰይ ቶማስ፡ ኣብ 1998 ኣብ ሓድሽ ዓዲ፡ ገዛ ባንዳ ሓበሻ ኣስመራ ከም ዝተወልደን ዝተፈላለየ ሞያ ከም ዘለዎን፡ ካብ ግዜ ህጻንነቱ ጀሚሩ፡ ብኣብነት ዝልለ መንእሰይ ምዄኑ ተገንዚበ እየ።እቲ ናይ ዜግነት ሕቶ፡ ብዙሕ ዋጋ ዝውሃቦ ነገር የብሉን።በደል ይዂን ገበን ምስ ውልቀ ሰብ ምበር፡ ምስ ዜግነት፡ እምነት፡ ብሄር፡ ጾታዊ ድሕሪ ባይታን ካልኦት ኣተሓሳስባታትን ኣተሓሒዝካ ምቕራብ፡ ነቲ ናይ ሓቊፍነት ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍሕቖ ምበር፡ ዝውስኸሉ ጽቡቕ ነገር የብሉን።

ኣብ መወዳእታ ዝብሎ እንተሃልዩ፡ ሰብ ብዘጥፍኦ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ይተሓተት።ኣብዚ ጸገም ክህሉ ኣይግባእን።ሕጊ ሓቕን ጭብጥን ሒዙ ይቕጻዕ። ካብዚ ወጻኢ ዝህሉ ኣካይዳ ግን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንጥሓስቱ እዩ ክውጽዕ።ኣብ ገዛእ ነብስኻ፡ ኣብ ኣባላት ስድራቤትካ፡ ክውዕል ዘይትደልዮ ናይ ጅምላን ናይ ስምዒት ፍርድን፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ክወርድ ምድጋፍ፡ ምጉስጓስ ቅኑዕ ኣይኰነን።

ብፍላይ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም፡ ኣብ ልዑል ናይ ሕጊ ከለላ እናነበርካ፡ ብስምዒት ሰባት ክርሸኑ ወይ ክቕተሉ ምጽዋዕ፡ ካብ ሕግን ሕብረተሰብን ናይታ ትነብረላ ሃገር ብውልቕኻ ክመጻኣልካ ዝኽእል ብድሆ ኣስተብህሎ ዘድልዮ ነገር እመስለኒ።

ክዛዝም!
እዞም ብስምዒት ዘየድሊ ፍርዲ ትህቡ ዘለኹም፡ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሕርቓንኹም ተቛጻጸሩ፡ ህድእ በሉ።ጽባሕ ካልእ መዓልቲ እዩ።ሕግን ሕልናን ረጊጽካ ምኻድ፡ ቅኑዕ ኣይኰነን።ሓው ቶማስ ድማ፡ ገለ-ገለ ብፍላጥ፡ ገለ-ገለ ብዘይፍላጥ፡ ካብ ቀንዲ ትሕዝቶ ውጽእ ኢሎም፡ ብስምዒት ጎዲኦምኻ እዮም። ኣይትቐየመሎም! ገለ ድማ፡ ምስ ክብርታት ሕብረተሰብ ብምትሕሓዝ፡ ካብ ቅንዕና ዝነቐለ ርእይቶ ዝሃቡኻ እውን ኣለዉ፡ ነዚኦም ድማ ልብኻ ከፊትካ ተቐበሎም።ርእይቶ ተቐቢልካ፡ ክዕረ ዝግባእ ድማ የዐሪ።

ብወገነይ ግን ሕልናይ ክወቕሰኒ ስለ ዘይደሊ፡ ኣነ ኣብ ዝሃብክዎ ርእይቶ፡ ዝጎድእ ወይ ሕማቕ ዝስማዓኻ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ዘለኻዮ ካብ ልበይን ብልበይን እቕሬታ እብል።ኣብ ስራሕካ ዓወትን ኣሳልጦን ይምነየልካ!

መም /ዮሴፍ ወርቀ
ሽወደን
ስእሊ፡ መንእሰይ ስነ-ጥበባዊ ቶማስ ካብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ

5 - 3

Chanel Fish Wedi
Posted 2 weeks ago

“ኤርትራውያን ኣሕዋተይ፡ ካባይ ተምሃሩ…” ሓጎስ ዮሃንስ (ወዲ ሃንስ)

ን14 ዓመታት ኣብ ስደት ኣብ እስራኤል ተቐሚጡ።መዓልትን ለይትን፡ ቀዳምን ሰንበትን ፡በዓልን ዘይብዓልን ህይወቱ ክቕይር ሰሪሑ።ኣብ ስራሕ እንከሎ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ኰይኑ፡ በጃ ክዳን ተኸዲኑ፡ ኣብ ቦታን ሰዓታት ስራሕን ኰይኑ ዝተሳእሎ ስእሊ ምስ ርኣኻ፡ ነቲ ሰባት ዝህብዎ ምስክር ብዘይ ቅድመ ዂነት ክትቕበሎ ትግደድ።ደጋጊምካ ገዲፍዎ ዝኸደ መልእኽቲ እንክትሰምዕ ድማ፡ ሻቕሎትካ ሰማይ ይዓርግ።

ሓጎስ፡ ሕጉስ ኰይኑ፡ ከምቲ ንሱ ብ”ወዲ ሃንስ” ዝጽዋዕ፡ “ወዲ ሓጎስ” ዝብሃል ቈልዓ ወሊዱ ክርኢ ትምኒት ነይርዎ። ምእንቲ ፍቕሪ፡ ምእንቲ ናብራን ሓዳርን ክብል ድማ፡ ካብ ዋላድረሶም ክሳብ ሎክስንበርግ፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ክሳብ ባድመ፡ ካብ ፓስፖርት ምውጻእ፡ ክሳብ ናይ ካናዳ ጉዕዞ ምስራዝ፡ ዘሕለፎ ዛንታ ብልሳኑ እንክትሰምዖ፡ ደው ኢልካ ደጊምካ ክትሓስብ ትቕሰብ።

“ተዛሪበ ኣይክእልን እየ፡ ግን ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ካባይ ተምሃሩ፡” ክብል እንከሎ፡ ኣብታ ፈለማ መዓልቲ፡ ሓንጓፋይ ኢልካ ተቐቢልካ ንምሕጋዙ ኣይተኻእለን።ብዙሓት ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ፈቐድኡ እኴ እንተተጓየዩ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ላዕልን ታሕትን እንተበሉ፡ ገለ-ገለ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ግን፡ በቲ መልእኽቱ ክባጭው ምስ ተዓዘብኩ ሓዚነ።ሓጎስ ግን፡ ካብ ውሽጡ ዝንበበ ቅንዕና ነይርዎ።ኣብ ገጹ ዝርአ ስምዒት፡ ተርጓማይ ኣየድልዮን።”ኣሕዋት ኢና፣ ኤርትራውያን ኢና፡” ይደጋግም ነይሩ።ኣሕዋት’ዶ ኣይኰናን ግን…፧ዘተሓሳስብ እዩ።

ብመሰረት ሓጎስ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ወይኒ በዲላቶን ወጺዓቶን እያ፡" ናብ ዝብል መደምደምታ ዝወስዱ ብዙሓት ምልክታት እኴ እንተ ሃለዉ፡ ናይ ወይኒ ገበን ብሕጊ ተታሒዙ፡ ብቤት ፍርዲ ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ምዝራብ ብዙሕ ኣይጠቕምን።ንሓው ሓጎስ ህይወቱ ኣይመልስን።ንስድራቤት እውን ዝህቦ ሓገዝ የለን።ንሕግን ሕልናን ክገድፎ።

ንሓው ሓጎሰ ግን፡ ቅንዕንኡ እውን በዲልዎ እዩ።ኣብ ሕብረተሰብና፡ ቅንዕናኻ ይብደላካ እዩ። ቅንዕንኦም ዝበደሎም/ዝበደለን ብዙሓት እፈልጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ሓጎስ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ተርእዮ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት፡ መልክዖም እናቐያየሩ ከጋጥሙ ዝጸንሑ፡ ናይ ኣሽካዕላል ተርእዮታት እዮም።ድሕሪ ሓጎስ ምዝራቡ እኴስ፡ ክልተ ሓበሬታት በጺሑኒ ኣሎ። እዚ ማለት ግን ደቂ ተባዕትዮ፡ በደልቲ የለውን ማለት ኣይኰነን።ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወረዱ በደላት እውን ኣብ ቦትኦም ኣለዉ።ሓው ንሓው፡ ዘመድ ምስ ዘመድ እውን፡ ኣብ ብዙሕ ናይ እምነት ጉዳያት፡ ብዘሕፍር መልክዑ ተበዳዲሎም እዮም።ኣብዚ ፌይስቡክ እንፈልጦም ድሓን ንብሎም ሰባት እውን፡ ዓሎቕ ክፍጹም ተዓዚብና ጥራይ ዘይኰነ፡ ናይ ማሕበራዊ መራኸብታት ተሳትፍኦም፡ መኸወሊ ገበኖም ዝዀኖም ውሑዳት ኣይኰኑን።

ኣብ መንጎና፡ ከም ናይ ሓጎስን ወይኒን ዝመስል ዛንታታት፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ክሳብ እዚ ንነብረሉ ናይ ስደት ሃገርናን ተራእዩ እዩ። በደልቲ፡ ተበደልቲ ነንባዕልና ኢና።ካብ ርሑቕ መጺኡ ዝበደለና የለን። ናይ ሓጎስ ፍልይቲ ዝገብራ፡ ህይወቱ ክነትርፋ ኣይክኣልናን።የሕዝን! ልዕሊ ኹሉ ግን፡ እቶም ተሓቢኦምን ብግሁድን፡ ብድሕሪ እዚ መጋረጃ ኰይኖም ከፈራርሕዎ ዝኽኣሉ ሰባት ከም ዘለዉ ዝሓበረና (ሓደ ክኸውን ይኽእል፡ ልዕሊኡ) በደልቱ እዮም።ሕጊ ድማ ክዳንዮም ይግባእ።

እተን ሓጎስ ካባይ ተምሃሩ ዝበለና ነገራት ግን፡ ንጹራት እየን።እምነት፡ ሕልና፡ ቅንዕና ይሃልወና። ምእንቲ ገንዘብን መንበሪ ወረቐትን ተባሂሉ፡ ዝድገስ ናይ ሓሶት መውስቦ፡ ንፍቕሪን ሓዳርን ውሕስነት ስለ ዘይህብ፡ መንእሰያት ኣወዳትኩም ኣዋልድኩም ደው ኢልኩም ሕሰቡ።ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት፡ መንእሰያት ጸገሞም ደፊሮም ኣብ ዝዛረብሉ፡ ሰሚዕካ ምሕጋዞም ምበር፡ ምልጋጽን ምብጫውን ኣይግባእን።ሰብኣይ ካልእ ወይ ሰበይቲ ካልእ ክትምንጥል ኢልካ፡ ክሳብ ክንድዚ ዘይሓላፍነታዊ ስራሕ ምስራሕ፡ ከምጽኦ ዝኽእል ጸገማት ቀሊል ኣይኰነን።ምስትውዓል ይሃሉ! ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ንሕድሕድና ንተሓታተት።ቅድሚ ኣብ ዓቢ ጸገም ምውዳቕና፡ ብእዋኑ ዘለዉ ጸጋማት ብሓባር ኰይና ተላዚብና ንፍትሓዮም።

ሓጎስ ዮሃንስ፡ መንግስተ ሰማይ የዋርስካ።ንስኻ ትመስል ቅኑዕ ሰብ፡ ክንድዚ መከራ ዝግባኣካ ኣይነበርካን።ስድራቤት፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ስደትን፡ ኣዕሩኽ፡ መሳድቲ ኮታ ኩልኹም ብናይ ሓጎስ ሕልፈት ዝጉሃኹም ጽንዓት ይሃብኩም።ዝተረፍና ልቦናን ሕልናን ይሃበና።

መም/ ዮሴፍ ወርቀ
ሽወደን

17 - 2

Chanel Fish Wedi
Posted 2 weeks ago

ከምዚ ጌርኩም ከይትዝውሩ😅

5 - 1

Chanel Fish Wedi
Posted 2 weeks ago

ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ chanel Fish wedi ስም ናይ ቻነለይ ክቅይሮ መደብ ስለ ዘለኒ ኣብ ኮመንት ይሓይሽ ዝበልኩሞ ኣስማት ጽሓፉለይ ኣነ ሓርየየን ዘለኹ

1 - 0

Chanel Fish Wedi
Posted 2 weeks ago

እሙን ዝጠለመ.......✍️

ስደት ምስ ወጸት ስድረኣ ገዲፋ
ንስኻ ኔርካያ ሕሉፋ ንጹፋ

ክትጠሚ በኣኻ ትዕንገል
ክትጸምእ በኣካ ትረዊ
ክትፈርህ በኣካ ትተብዕ
ክትሓምም በኣኻ ትሓዊ

ኼንካያ ኩሉ ኣብ ነበልባል ስደት
ጥዑም ግዜ የሕሊፋ ተሸጊረ ከይበለት፣

ናብኣ ዝትሓስበ ናብ ነብስኻ ኣውሪድካዮ
መስዋእትን ውርደትን
ጭንቐትን ህኮትን
ክንደኣ ሓሚምካ
ህይወታ ከይብተን
ዓለማ ኣጸቢቕካዮ
ዓለምካ ኣጸልሚትካ
ርግቢት ትመስል
ተመን መጺኣትካ

ከም እምነት ነብስኻ መሲላ ንዓኻ
ስጋኻ በሊዓ ሰትያቶ 'ቲ ደምካ
ሰማይ ከተብጽሓ ነብስኻ ኣትሒትካ
ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኣብ ኩሉ ኣቲኻ

ብግዜ ብለውሃት ብንዋይ ብገንዘብ
መስዋእቲ ከፊልካ ኣእቲኻያ ዓዲ ሰብ፣

ህይወትካ ከፊልካላ 'ዚ ኩሉ ዓመታት
ብርሃን ምስ ረኣየት ደርብያትካ ኣብ ጸልማት

እንታይ 'ሞ ክትገብር ውሽጣ ኣይነጽሀን
ልባ ረብሓኻ እምበር፣ ፍቕርኻ ኣይደለየን

ብገዛእ ጉልበትላ ብገዛእ ህይወትካ
ከም ዝብኢ ክደልዋ ትዋሳእ እያ ኔራ
ፍሽኽ ኢላትኪ ሓቢኣ ምስጢራ፣
ዘይነበረ ሓድሽ 'ኮ ኣይኮነን
ውሽጣ ዝቐበሮ ትሓስቦ 'ያ ጌራ

እንታይ 'ሞ ኣዳም፣ ፋልማይ ንዓለም
ዘይከምቲ ጽቡቕኻ መዋእል ክትጥለም

ዝመረረ ጉዕዞ ተጻዊርካ ከተብቕዕ
ንዝፈርሀ ኔርካ ተስፋ ትህብ ተትብዕ
ሕጂ ግን.....
ምጻሩ ሲኢንካስ ወሲንካ ዘሰንብድ
ብዘይ'ጽሕፍቶኻ ምኻድካ ክኸብድ

እንተኾነ ኣብዛ ንቕኑዓት ዘይትኸውን ዓለም
ዛንታኻ ኮይኑ "እሙን ዝተጠልመ"
ብኣምላኽ ይጠለም ለዋህ ዝጠለመ፣
*****
ብሰላም ዕረፍ፣ ንስድራ ከኣ ጽንዓት ይሃብ።

ብሩኽ መዓልቲ።
Jelesawi መራደደ/Art life/ ጀለሳዊ መራደደ

15 - 4