Channel Avatar

Kestedemenay ቀስተደመናይ @UC9t_caGZ0WdktPKc6F9EJ0w@youtube.com

7.4K subscribers - no pronouns :c

Orthodox Religious Organaization "ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኩ ንሱ ድ


Welcoem to posts!!

in the future - u will be able to do some more stuff here,,,!! like pat catgirl- i mean um yeah... for now u can only see others's posts :c

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 6 days ago

https://youtu.be/Dj2p4ZR62oE?si=SnptK...
New channel Ziema TV share,like,subscribe
ዝዝርግሑ መደባት
ወረብ
ምስባክ
ዜማ
ንባብ ውዳሴ ማርያም፡ዳዊት ካልኦትን

6 - 0

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 3 weeks ago

እዋናዊ ዝኾነ ቃል ምዕዳን ንሎሚ ምሸት @kestedemenay ቀስተደመናይ youtube channel SUBSCRIBE ,SHARE,LIKE

90 - 0

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 3 months ago

https://youtu.be/rp9mb1EdiZg?si=JImuA... COMING SOON 🙏🙏🙏
NEW MEZMUR ‪@kestedemenay143‬​ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኹን ኣብ ቀረባ ግዜ /ነገር ሰብ/እትብል ዝማሬ ከም ፍቃድ እግዚኣብሔር ናባኹም ኪትዝርጋሕ እያ
SHARE
SUBSCRIBE
LIKE ብምግባር ደገፍኩም ኣይፈለየና።
ሰላም ወሠናይ

109 - 0

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 3 months ago

💒✝️✝️ ንቀዳም /ይቅረ ኢልካኒ እምበር / TIGRINA COVER MEZMUR ‪@kestedemenay143‬ ዋና መዝሙር ዲ/ኣቤል መክብብ ትርጉም ዲ/ፊልሞን የዕብዮ

166 - 0

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 4 months ago

እንቋዕ ናብ በዓለ ሢመቱ ለቅዱስ ሚካኤል ብሰላም ኣብጸሓና
/ኣንተኑ ሚካኤል / NEW GEEZ ORTHODOX MEZMUR
TODAY ‪@kestedemenay143‬ Tube
D.zemari Filimon yeibiyo
Zemarit Hermela Yhesho

183 - 2

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 5 months ago

💒 / ኢየሱስ /ብሓድሽ ስራሕ NEW ORTHODOX MEZMUR COMING SATURDAY @Kestedemenay ቀስተደመናይ share,like,subscribe ብሰላም ጽንሑ

149 - 2

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 5 months ago

Psalms መዝ፡ዳዊት 77
65: ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃህ እምንዋም፤
ወከመ ኀያል ወኅዳገ ወይን።/ 
መዝ፡ ዳዊት 78
65: ሽዑ እግዚኣብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣
ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ
ርሑስ በዓለ ትንሣኤ እንቋዕ ኣብጸሓና

38 - 1

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 5 months ago

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን

"ሰሙነ ሕማማት" (ዓርቢ ስቅለት)

ሓሙስ ሎሚ ምሸት እቶም ንጎይታ ዝሓዝዎ ኣይሁዳውያን ንጎይታ ከባጭውሉ ድሕሪ ምሕዳር፣ ጽባሕ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፣ ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ፣ ሄሮድስ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ ከምዚ እናገበሩ ኣላገጽሉ። ሊቃነ ካህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እዃ እንተቐረቡ፣ ሓንቲ አኳ ኣይረኸቡን። ድሓር ግን ካልኦት ክልተ ቐሪቦም፥
“እዚ ሰብ እዚ ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እኽእል እየ ኢሉ ተዛሪቡ”
በሉ።
እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ፥
“ነዚ ዝብሉኻ ዘለዉ'ስ ገለ'ዶ ኣይትምልሰሉን ኢኻ በሎ”
ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን።
እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ
“ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ ክትነግረና በቲ ህያው ኣምላኽ እልምነካ ኣለኹ፡ በሎ። ኢየሱስ ከኣ
#ንስኻ_እኳ_ትብል_ኣሎኻ
በሎ።
ድሕሪ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ እናቐደደ “እንሆ ይጻረፍ ኣሎ፡ ደጊም ደኣ እንታይ ምስክር ኣድልየና፡ እንታይ'ከ ይመስለኩም፧” በሎም።
ንሳቶም ከኣ

#ሞት_ይግብኦ
ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ።
”ኦ መሲሕ መን እዩ ዝወቕዓካ፧
እስከ ተነበየልና፧”
ኣንዳበሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን'ውን እቶም ህዝብን ሽማግለታትን ብሓሶት እኳ እንተኸሰስዎ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፣ ጲላጦስ’ውን መርሚሩ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበሉን
“ኣነ ካብ ደም እዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹህ እየ ባዕልኹም ትፈልጡ”
ኢሉ ኣእዳዉ ድማ ተሓጽበ።
ንሳቶም ግና
#ይቀተል_ይቀተል
ኢሎም ጫው ጫው ምስ በሉ ኣብ በዓሎም ሓደ እሱር ናይ ምፍታሕ ልማድ ስለ ዝነበሮም፣ ንበርባን ወይ ንክርስቶስ ክፍትሓሎም ሓቲቶም። ንሳቶም ግና እቲ ሽፍታ በርባን ክፍትሓሎም፣ እቲ ሓንቲ ዘይተረኽቦ ክርስቶስ ግና ክስቀል መረጹ። በዚ መሰረት ድማ ገሪፎም ንክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ዝኾነ ክጾሮ ዘይክእል መከራ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ካብ ሊቶስጥራ ክሳብ ቀራንዮ ብዘሰቅቕ መከራ ድማ ተወስደ። ኣብዛ ክብርቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ሞንጎ ሸፋቱ ልክዕ ሰዓት ስድስቱ (ፍርቂ መዓልቲ – ሰዓት ዓሰርተ ክልተ) ኣብ ማእከለ ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ፣ ብገዛእ ስልጣኑ ድማ ክብርቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ስግኡ ሰዓት ተስዓቱ ፈለያ።
ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ኮነ ድማ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ድማ ገኒዞም ቀበርዎ።
ነገረ ስቕለቱ ብኵሎም ወንጌላውያን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ መስቀል ድማ ድንቂ ዝኾነ ስንቂ ህይወት እንረኽበሉ ቃላት ተጻሒፉ ይርከብ። ኣብ'ዚ ክዝርዘር ስለዘይከኣል ድማ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ትርጓሜኡ ኣስተውዒልና ነንብቦ። ብዝተረፈ ግና እዚኣ መዓልቲ ናታ ፍሉይ ስም ከም ዘለዋ'ውን ምጥቓስ ይግባእ እዩ።
#ዓርቢ_ስቕለት፦ መድሓኒ ዓለም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ፨
(ማቴ27፡35, ማር 15፡21-32, ሉቃ23፡ 26-43, ዮሓ19፡17-27)።
እዚ ዕለት እዚ ዓቢ ዕለት እዩ። ብበደል ኣዳም ናብ ዓለም ዝኣተወ ሞት እተሳዕረሉ፣ ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሰጋግረናሉ፣ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ዝወጻናሉ፣ እቲ ዝቃወመና ዝነበረ ናይ ዕዳ ደብዳቤና ዝተደምሰሰሉ፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝኣተናሉ፣ ትንቢት ነቢያት፣ ተስፋ ኣበው እተፈጸመሉ፣ ገነት ዳግማይ ዝተኸፈተትሉ፣ ዓቢይ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ መስቀል ምልክት ድሕነትና ኣርማ ናጽነትና ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ደቂ ኣዳም ኣብ ዝኸፈአ በደል እንተተረኽቡ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ይፍረዶም ነበረ። ነዚ ናይ ገበነኛታት መቅጽዕን ምልክት መርገምን ዝነበረ መስቀል፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ንምሕረትና።
ትእምርቲ ሰንደቅ ድሕነትና፣
መመክሒ ክርስቶሳውያን፣ ንዲያብሎስ ንስዕረሉ ሓይሊ ዝገበረሉ፣ ብሞቱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገርናሉ ቅዱስ ንዋይ ገበሮ።
በዚ ዕለት ኵሎም ምእመናን ካብ ክፉእ ተግባራት ርሒቖም ካብ እኽለ ማይ ተቖጢቦም ክሳብ ዕርበተ ጻሓይ ማለት ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰግዱን ክጽልዩን ዝውዕልሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ዘይብሃል ስቓይን መከራን ዝበዝሖ፣

13 ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ እዩ።
ኣብ መስቀል ኮይኑ’ዉን ዓበይቲ ምስጢራት ዝሓቖፋን መልእኽቶም’ውን ረዚን ዝኾና 7 ቃላት ኣብ መስቀል እንከሎ ዝተዛሪቦ እዩ።

13 ሕማማተ መስቀል ዝበሃሉ
1) ኣክሊለ ሶክ፥
ካብ እሾኹ ኣኺሊል ጠኒጎም ኣብ ርእሱ ደፎኡሉ፣ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፣ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፣ ዎ! ንጉስ ኣይሁድ፣ ከመይ ኢካ ኢሎም ኣላገጽሉ
(ማቴ 27፡29)።
2) ተኮርዖ ርእስ፥
መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሱ ብዘንጊ ከም ዝተቐጥቀጠ ዝገልጽ እዩ።
‹‹ተኰርዖት››
ዝብል ቃል ኩርዐ - ሃረመ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረክበ ቃል እዩ፡፡ ርእስ ማለት ድማ ርእሲ ማለት እዩ፡፡ ናይታ ሃገር ገዛኢ ዝነበረ ጲላጦስ፣
“ኣነ ካብ ናይ'ዚ ሰብ ደም ንጹህ እየ”
ኢሉ ኢዱ ድሕሪ ምሕጻቡ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀጥቂጡ ንካህናት ሓለፍቲን ሽማግለታትን ኣሕሊፉ ሂብዎ ነበረ። ብሕጊ ኣይሁድ ዝተገርፈ ክስቀል ኣይፍቀድን፣ ዝስቀል ድማ ኣይግረፍን። ንሱ ጲላጦስ ግን ድሕሪ ምህራሙ ናይ በደል በደል ንክሰቅልዎ ኣሕሊፉ ሓቦም።
(ማቴ 27፡24፤ ማር 15፡15፤
ሉቃ 23፡25፤ ዮሐ 18፡39)፡፡
ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕሊፉ ምስሃቦም ኣብ ልዕሊ ርእሱ ናይ እሾኽ ኣኽሊል ደፍእሉ። ርእሱ ድማ ብዘንጊ ሃረምዎ።
(ማር 15፡19)፡፡
ኣብ ሲኦል ወዲቑ ብዲያብሎስ ተረጊጹ ርእሱ ዝቕጥቀጥ ወዲ ሰብ ንምድሓን መድሃኔኣለም ክርስቶስ ርእሱ ተቐጥቀጠ። ካብ ርእሱ ብዝፈስስ ደም ድማ ገጹ ተሸፈነ።
3) ተጸፍኦ መልታሕት
አምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳዎም ብደም ኣጻብዕቶም ብበደል ዝረኸሰ ብኣይሁድ ከም ዝተጸፍዐ ዝገልጽ እዩ።
‹‹ተጸፍዖ››
ዝብል ቃል ጸፍዐ ዝብል ጽፍዒት ሃረመ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ እዩ፡፡ መልታሕት ማለት ድማ ገጽ ምዕጉርቲ ማለት እዩ።
ገጹ ብጨርቂ ሸፊኖም ብጽፍዒት ዝሃረመካ መን እዩ? ትንቢት ተዛረበልና እንዳበሉ ኣለጊጾሙሉ። ኣብ ኢድ ዲያብሎስ ወዲቑ ነፍሱ ዝላገጹሉን ኔው ነጀው ከርተት ዝብል ዝነበረ ወዲሰብ ንከድሕን ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣይሁድ ወዲቑ ከርተት ብምባሉ ብጽፍዒት ሃረምዎ።
(ማቴ 27፡27)፡፡
4) ተወክፎ ምራቕ
ርኹሳን ኣይሁድ ሓሶትን ክፍኣትን ብዝመልኦ ኣፎም፣ ብዘጸይፍ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብርሃናዊ ገጽ ጐይታ ጡፍ ምባሎም ዘመልክት እዩ።
5) ሰተየ ሓሞት
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ
"ጸማእኩ"
ምስ በለ መጺጽ ሓሞት ከምዘስተይዎ ዝገልጽ እዩ።
6) ተኣስሮ ድሕሪት
ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳው ንድሕሪት ከምዝኣሰርዎ ዝገልጽ እዩ።
7) ተቀስፎ ዘባን
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝባኑ ክሳብ ዝመላለጥን ደም ዝሰርብን ከምዝተገርፈ ዘመልክት እዩ።
(ማቴ 27፥26)።
😎 ሓሙሽተ ቅንዋተ መስቀልን እዮም፣ (ሳዶር፣ኣላዶር፣ዳናት፣ አዴራ፣ሮዳስ) እዮም ።
ብዘይካ እዚ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረበን

ሸውዓተ (7) ቃላት ኣለውዋ፣
ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ተባሂለን ድማ ይጽውዓ። ንሳተን ከኣ፥

1) ኦ! ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትሓዘሎም።
(ሉቃ 23፡34)።
2) ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ
(ሉቃ 23፡43)።
3) እንሆ ወድኺ፣ እንሀት ኣዴኻ
(ዮሓ 19፥26-27)።
4) ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ
(ማቴ 27፥46)።
5) ጸማእኩ
(ዮሓ 19፡28)።
6) ኦ ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣለኹ
(ሉቃ 23፡46)።
7. ተፈጸመ
(ዮሓ 19፡30)።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ብገዛእ ፍቓዱ ነፍሱ ካብ ስግኡ ምስ ፈለየ ሸውዓተ (7) ተኣምራት ተፈጺሞም እዮም።

እተን ሰለስተ ኣብ #ሰማይ ዝተፈጸማ ክኾና እንከለዋ እተን ኣርባዕተ ከኣ ኣብ #ምድሪ ዝተፈጸማ እየን።

ኣብ ሰማይ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፣
1• ጻሓይ ጸልመተት፡
2• ወርሒ ደም መስለት፡
3• ከዋኽብቲ ረገፉ፡
ኣብ ምድሪ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፥
4• መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡
5• ኣእማን ተፈተቱ (ኣኻውሕ ተጨዱ)፡
6• መቓብራት ተኸፍቱ፡
7• ምውታት’ውን ተንስኡ።
እዛ ዕለት እዚ'ኣ እምበኣር ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዝረኸቦ ስቓይን መከራን እናዘከርና፣ እቲ ኩሉ ሓጢኣትና ገዲፍና ብንስሓ ተሓጺብና ነቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ መሲልና ብንጽህና ክንነብር ከም ዘለና እተዘኻኽር ዕለት እያ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለቲ ብቓላት ክግለጽን ክንገርን ዘይክእል ውዕለቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

27 - 0

Kestedemenay ቀስተደመናይ
Posted 5 months ago

Isaiah 53 ትግ - ኢሳይያስ
2: ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን።
3: ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን።
4: ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።
5: ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።
6: ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ።

19 - 0